ሰብ ኤማሁስ ገለ ካብዞም ተስፋ ዝቆረጹ ደቀ መዛሙርቱ እዮም። እዞም ሰባት ኣብቲ ተስፋ ዝቆረጽሉ እዩ ጐይታ ተጓኒፍዎም። ብዛዕብኡ ብዙሕ ድሕሪ ምዕላል ከኣ ምስ መሰየ ምስኦም ክሓድር ድሕሪ ምልማን፡ ካብቲ ክበልዕዎ ዝተቐረበ ኣልዒሉ ባሪኹ ምስ ሃቦም፡ ነቲ ማንም ሰብ ክኸፍተሎም ዘይከኣለ ኣዒንቶም ከፈተሎም እሞ ኣለለይዎ። እዞም ሰብ ኤማሁስ እዚ ነገር እዚ ምስ ኮነ፡ ናብታ ዝከድዎ ዝነበሩ ዓዲ ቀሪቦም እኳ ክንሶም ግን ናብታ ዝተበገሱላ የሩሳሌም ክምለሱ ተገደዱ። ኣብ ሉቃ 24፡31 “ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። 33, በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም።” እዚ ድሃይ እዚ ነተን ዘይርእያ ኣዕንቶም ክኸፍተሎምን ኣንፈቶም ከቐይሮምን ከሎ ንርእዮ። ደሃይ እግዚኣብሄር ኹሉ ግዜ ዘይነበረ ነገር እዩ ዝፈጥር። (ዘፍ 1፡3-21)
እዞም ሰባት ነቲ ተስፋ ሒዞሞ ስቅ ክብሉ ስለ ዘይደለዩ፡ ናብቶም ብፍርሒ ብራዕድን፡ ኣብ ሓደ ቤት ተዓጽዮም ዝነበሩ ደቀ መዛመርቱ ከይዶም መስከርሎም። እዞም ሰባት’ውን ልክዕ ከምቲ ናይ ሰብ ኤማሁስ ፈሪሖምን ተስፋ ቆሪጾም ኣብ ዝነበሩሉ፡ ሓደ ንዂሉ ኩነታት ዝቕይር ብርቱዕ ደሃይ መጺእዎም። እዚ ድሃይ ኣብ ዕጹው ማዕጾ እዩ ነይሩ። ነቲ ጻዕሪ ኮይንዎም ዝነበረ፡ ካብ ቅድሚኦም ክኣልየሎም ከሎ ከኣ ንዕዘብ። ሉቃ 24፡36 “እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም።” ንሕና’ውን ኣብ ዘመን ህይወትና፡ ዝተዓጸወና ነገር እንተደኣ ሃልዩ፡ እቲ መፍትሒ ሓደ ነገር እዩ ንሱ ከኣ ደሃይ ጐይታ እዩ። እዚ ድምጺ እዚ ዕድመ ብዘቕረብናሉ መጠን ዘየስልጦን ዘይከፍቶ ነገር የብሉን። ስለዚ ኣብ ነገርና ኮነ ኣብ ህይወትና፡ ንጐይታ ስራሕና ክሰርሓልና ንዓድሞ። ንሱ ከኣ ኣብ ኹነታትና ሰልጢኑ፡ ነገራትና ክቅይር ከሎ ክንርእዮ እና።
ሉቃ 24፡36 “እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም።”
ኢያ 10፡13-14 “ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጻላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ጸሓይ ቈመት፡ ወርሒውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻርዶኸ ተጽሒፉ ኣይኰነን፧ እታ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ምሉእ መዓልቲ ቘመት፡ ንምዕራብ ከኣ ኣይቀልጠፈትን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፡ ቅድሚኣ ዀነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን።
ኤር 3፡23-24 “ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ። ነፍሰይሲ፡ ግደይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ስለዚ ብእኡኡ ተስፋ እገብር፡ ትብል ኣላ።”